11 ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።”
ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።
ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።
“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእኸሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ምስ ኣከብክዎም፥ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣህዛብ፥ ኣብኣቶም ክቕደስ፥ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ምድሮም ክነብሩ እዮም።