Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 27:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 27:10
17 Referencias Cruzadas  

“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ።


እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ።


ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።


እቶም ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፥ ኣይትስምዕዎም።


ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።


ኣነ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝብን “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ፥ ሕዚ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ክምለስ እዩ፥ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነቢያትኩም፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ ኣይትስምዕዎም።


ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፤ ኣብ ልዕለይ ክሕደት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ’ ይብለካ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።


እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ቍጥዓይን ናህረይን ኣለዓዓለትለይ፥ ስለዙይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ከርሕቓ ወሰንኩ።


“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ? ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?” ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። “ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”


ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።


ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።


ተራፊም ከንቱ ይናገሩ፤ ጠንቈልቲውን ሓሰት ይሪኡ፤ ሓለምቲ ድማ ሓሰት ይናገሩ፤ ብኸንቱውን የፀናንዑ፤ ስለዙይ እቶም ህዝቢ ጓሳ የብሎምን፤ ከም ኣባጊዕ ከርተት በሉ፤ ተጨነቑውን።


“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos