1 ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓልቲ ሊብና ነበረት።
ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ።
ብመጀመርታ ዘመን መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፤
ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
በቶም ንንጉስ ሴዴቅያስ ክበፅሑ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ልኡኻቶም ጌርካ ኸዓ፥ ናብ ንጉስ ኤዶምያስን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶናን መልእኽቲ ለኣኽ።
በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓስራይ ዓመቱ፥ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦