7 ካህናትን ነቢያትን ኵሉ ህዝብን ከዓ፥ ኤርሚያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነዝ ቃል እዙይ እንትዛረብ ሰምዑ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም።
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፥ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም፥ ህፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት” እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ።
ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኵሎም ወገን ሰዱቃውያንን ብርቱዕ ቅንኣት ሓዲርዎም ተስኡ።