3 ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።”
ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
“ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነቲ ኽፉእ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ብዘመን ወዱ እየ ዘምፅኦ እምበር ብዘመኑ ኣየምፅኦን እየ” በሎ።
እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።
“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”
ምናልባሽ ህዝቢ ይሁዳ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘለኹ ጥፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። ኣነውን በደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ” በሎ።
እቲ እግዚኣብሄር ኣብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ዝተናገሮ፥ ቍጥዓኡን መቕሰፍቱን ዓብዪ እዩ እሞ፥ ምናልባሽ ፀሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይበፅሕ ይኸውን፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኻብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ።”
ስለዙይ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ዄንኻ ጓዓዝ ኣዳሉ እሞ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብመዓልቲ ተልዓል። ዓማፂ ቤት እዮም እሞ፥ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ገዓዝ።
“ግናኸ እቲ ሓጢኣተኛ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ኵሉ ሕግጋተይ ከዓ እንተ ሓለወ፥ ቅንዕናን ፅድቅን ድማ እንተ ገበረ፥ ንሱ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣይመውትንውን እዩ።
ኣነ ኣምላኽ እየ እምበር ሰብ ኣይኮንኩንሞ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፥ ብናህሪ፥ ቍጥዓይ ኣየምፅእን እየ፤ መቕሰፍቲ ቝጥዓይ ኣየውፅእን እየ፤ ንኤፍሬም ከጥፍእ ድማ ኣይምለስን፤ ብመዓትውን ኣይመፅእን።
ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥ በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።