23 ንሳቶም ድማ ንኦርዮ ኻብ ግብፂ ኣምፅእዎ፤ ናብ ንጉስ ኢዮኣቄም ከዓ ኣቕረብዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሬሳኡውን ኣብቲ ዝኾነ ሰብ ዝቕበረሉ ደርበዮ።
ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።
“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”
እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ።
ኣብ ማእኸል ኣናብስ ተመላለሰ፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።
ሰብ ልኢኹ ድማ፥ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ።
ኣይሁድ፥ ንጐይታና ኢየሱስን፥ ንነቢያትን ቀተልዎም፤ ንኣና ኸዓ ኣሳጐጉና፤ ንእግዚኣብሄርውን የሕዝኑን፥ ንኵሉ ሰብውን ይፃረሩን ኣለዉ።
ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐተሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤ ተሰይፎም ሞቱ፤ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፤ ሰኣኑ፤ ፀበቦም፤ መከራ ተቐበሉ።
ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።