22 ሽዑ ንጉስ ኢዮኣቄም ንኦርዮ ኸምፅእዎ ምስ ብዙሓት ሰባት ገይሩ ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፥ ናብ ግብፂ ለኣኾ።
ሳኦል ምስ ሞተ፥ በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ተኪኡ ነገሰ።
እቲ ንጉስውን ንካህን ኬልቂያስን፥ ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን፥ ንዓክቦር ወዲ ሚካያን፥ ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከሩን ድማ፥
ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን ኣኪቃምን ዓክቦርን ሳፋንን ዓሳያን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ፤ ንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ እትቕመጥ ነበረት፤ ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቁዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝኾነ ነገርዋ።
ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ክፍኣት ልዕል ልዕል ምስ በለ፤ ዓመፅቲ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ይመላለሱ ኣለዉ።
መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
ነታ መልእኽቲ ብኢድ እቶም ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሳፋንን ገማርያ ወዲ ኬልቅያስን ለኣኻ፤ እታ መልእኽቲውን ከምዙይ እትብል ነበረት፦
ሽዑ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ናብቲ ፀሓፊ ዘለዎ ኽፍሊ ወረደ። ኤሊሳማ እቲ ፀሓፍን ድላያ ወዲ ሸማያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሳፋንን ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያን ኵላቶም ኣሕሉቕን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ።
ኤልናታንን ደላያን ገማርያን፥ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸየቃፅላ ንንጉስ ለሚኖምዎ እንተ ነበሩ እኳ፥ ንሱ ኣይሰምዖምን።
ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።