20 ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።
ጐይታይ ንጉስ ክደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዘየለ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። ‘ኣይረኸብናዮን’ ምስ በልዎ ኸዓ፥ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሓሎም።
ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንባሮክ “ኪድ እሞ፥ ንስኻን ኤርሚያስን ተሓብኡ፤ ኣበይ ከም ዘለኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።
ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ።
እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።
ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።
እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዝቕመጥ ጊዜኡ ነውሐ፤ ኣስታት ዕስራ ዓመትውን ኮነ። ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ሓዚኖም ናብ እግዚኣብሄር ይቝዝሙ ነበሩ።