18 “ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ነዙይ ካብ ጥንቲ ኣነ ኸም ዝገበርክዎ፤ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ኣነ ኸም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕኻን ኢኻ? ሕዚ ድማ ንዕሩዳት ከተማታት፥ ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ።
ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን።
ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ሰማርያን ከዓ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ነቲ ቕፅሪ መሊሶም ክነድቅዎ ድዮም ዝደልዩ ዘለዉ? ክስውኡኸ ድዮም? ብሓደ መዓልቲኸ ኽውድእዎ ድዮም? ካብቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎኸ ንመንደቕ ዝኸውን ኣእማን ክረኽቡ ድዮም?” ኢሉ ተዛረበ።
ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ።
ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።