17 ካብቶም ሽማግለታት እታ ሃገር ከዓ ተሲኦም፥ ንዅሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎ፦
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ።