Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 26:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኤርሚያስ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኹምዎ ዅሉ ቓል፥ ክንበዮ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 26:12
9 Referencias Cruzadas  

እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።


ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?


ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።


ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos