11 እቶም ካህናትን ነቢያትን ድማ ነቶም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ተነብዩላ እዩ እሞ፥ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።”
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝተዛረበና እሞ፥ ሞት ኣይግብኦን እዩ” በልዎም።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።
ንሳቶም ድማ “እዙይ ገባሪ ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ።
ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ፥ ንሱ ንባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሎም መለሱሉ።
ክሳዕ እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፤ ብድሕሪዙይ ግና፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፦ “ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣወግድዎ” በሉ።
ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ።
ናይታ ኸተማ ሰባት ንዮኣስ “ወድኻ መሰውኢ ጣዖት በዓል ኣፍሪሱ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ክንቀትሎ ኣውፅኣዮ” በልዎ።