8 “ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።
ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።