5 ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
በደልውን ኣባይ ዝርከብ እንተ ደኣ ኾይኑ ረአ፤ በቲ ናይ ዘለኣለም መንገድውን ምርሐኒ።
ካብ ክፉእ ህደም፤ ሰናይ ከዓ ግበር፤ ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ።
ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ።
ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ።
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
“ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥
ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።
ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።