4 እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።
እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።
እግዚኣብሄር ከዓ ንምናሴን ንህዝቡን ኣጠንቀቖም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን።
ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ።
ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።”
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።
ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥
እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።
ንእኡን ንደቁን ነሕሉቑን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ። ምስማዕ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኵሉ ከውርደሎም እየ ዝበልክዎ ጥፍኣት፥ ኣብኣቶምን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይሁዳን ከምፅእ እየ።”
ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።
ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?