36 እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰየሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎሞ፥ ዋይ ዋይታ ጓሶትን፥ ኣውያት መራሕቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ።
ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ።
እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም።
ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት።
እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥ ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።
ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤ ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።