3 “ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።
ንፅባሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ ኣድጉ ፀዓነ። ክልተ ኣገልገልቱን ወዱ ይስሓቅን ከዓ ምስኡ ወሰደ። ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ፈሊፁ፥ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቦታ ኸደ።
እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣገልገልቱ “ሬማት ዘገለዓድ ናትና ምዃና ትፈልጡ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ኢድ ሶርያ ዘየምለስናያ?” ኢልዎም ነበረ።
እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ።
እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።
ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ።
ኣብ ሻምነይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ገና ቘልዓ እንተሎ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ከምልኽ ጀመረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት መንግስቱ፥ ነቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ጣዖታት ዘምልኹሉ በረኽትን ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ፅሩብ ምስልታትን ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትን ከፅሪ ጀመረ።
ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፤ ነታ ሃገርን ነታ ቤተ መቕደስን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ምስ ኣፅረየን፥ ንሳፋን ወዲ ኤዜልያስን ንመዕሴያ ሹም እታ ኸተማን ንእዮኣክ ወዲ ኢዮኣካዝ እቲ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፅግንዋ ለኣኾም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ንህዝቡን ነታ ቤተ መቕደሱን ስለ ዝደንገፀሎም፥ ብልኡኻቱ ገይሩ ጊሓት ጊሓት የጠንቅቖም ነበረ።
ህዝበይ ቃለይ ሰሚዖም እንተ ዝኾኑ! እስራኤልውን ብመንገደይ እንተ ዝኸዱ!
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።
ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥
እዝ ዝበፅሖም ዘሎ ኸዓ፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ገይረ እንተየቋረፅኩ ዝለኣኽኩሎም ቃለይ፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩምውን ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።
እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
ኮነ ኸዓ ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ራብዓይ ዓመት፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን።
ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዅላቶም ኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ኣብ ፀፅባሕውን ለኣኽኩልኩም።
ሓደ ነቲ ድምፂ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፥ ሰይፊ መፂኡ ኸዓ እንተ ወሰዶ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።
ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።”
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።