19 ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ንሹማምንቱን ንመሳፍንቱን ንዅሉ ህዝቡን፥
ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኸቃፅሎምን ክማርኾምን እዩ። ጓሳ ኽዳኑ ኸም ዝኽደን ንሱውን ንግብፂ ክኸድና እዩ። ካብኣውን ብደሓን ክወፅእ እዩ።
ንሱ ነቲ ኣብ ቤት ሳሚስ ዘሎ ሓወልትታት ግብፂ ኽሰባብሮ እዩ። ንኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂውን ብሓዊ ኸቓፅሎ እዩ።”
ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦