18 ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥
እቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተዛረብካዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብኣፍካ ዝተዛረብካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።
ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ።
ስለዙይ ድማ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ነደደ። ከምዝ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመሰክሕን ንመደንገፅን ንመላገፅን ገበሮም።
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
“እንሆ፥ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፤ ኣብታ ፍረኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፥ እንሆ፥ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና ኣለና።
ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርአኻዮም፤ ዘደንግፅ ወይኒ እውን ኣስተኻና።
ነሕሉቕ ከም ከንቱ፥ ንፈራዶ ምድሪ ኸዓ ኸም ዘይነበሩ ይገብሮም።
ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።
ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።
ንኻልኣይ ጊዜ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ነታ ዓዲግካ ዝተዓጠቕካያ መዕጠቒት ሒዝካ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪድ፤ ኣብ ነቓዕ ኰዅሒ ኸዓ ሕብኣያ” በለኒ።
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ።
ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”
እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።
ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት ከዓ ኽባድሙ እዮም፤ ከተማታቶም ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ክኾና እየን።
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”
ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”
ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።
ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?