16 ካብኡ ምስ ሰተዩ፥ ሰንከልከል ክብሉን፥ ካብቲ ዝሰዶ ሰይፊ ዝተልዓለ ኽዓብዱን እዮም።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል “ኵሉ ኣሕርብቲ፥ ወይኒ ኽምላእ እዩ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም። ንሳቶም ድማ “ኣሕርብቲ ወይኒ ኸም ዝምላእዶ ኣይንፈልጥን ኢና?” ኽብሉኻ እዮም።
ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።
እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።
ምስ ረሰኑ፥ መስተ ኸቕርበሎም እየ፤ ክሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ክድቅሱን ክገብሮም እየ። ከቶውን ከይነቕሑ ኸስክሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ባቢሎን፥ ንዅላ ምድሪ እተስክር ኣብ ኢደይ ከም ዘላ ፅዋዕ ወርቂ ነበረት። ህዝብታታ ከዓ ኻብ ወይና ሰትዮም ዓበዱ።
መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።
ሳን። ኣቲ ኣብ ሃገር ዖፅ እትነብሪ ጓል ኤዶምያስ፥ ተሓጐሲ፤ ደስ ይበልኪ፤ ግናኸ እቲ ፅዋዕ ናባኺውን ክሓልፍ እዩ፤ ክትሰክርን ጥራሕኺ ኽትኾንን ኢኺ።
ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ቅዱስ እምባይ ዝሰተኹም፥ ከምኡ ዅሎም ኣህዛብ እንተየቋረፁ ክሰትዩ እዮም፤ እወ፥ ክሰትዩ እዮም፤ ኣብዚሖምውን ክጭልጥዎ እዮም፤ ከም ዘይነበሩ ኸዓ ክኾኑ እዮም።”
ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።
ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።
ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።