13 ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ዝተናገርክዎ ቓላትን፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈን፥ ነቲ ኤርሚያስ ንዅሉ ህዝቢ ዝተናገሮ ትንቢትን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ከምፅኦ እየ።
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”
ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ “ነዘን ኵለን ዝነገርኩኻ ቓላት ኣብ መፅሓፍ ፀሓፈን።
“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።
ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸዓ ኸጥፍኣ እዩ፥ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከፅንት እዩ’ ኢልካ ዝፀሓፍካስ ስለ ምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ብሓዊ ኣቃፀልካያ።
ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።
‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።”
ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።
“ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ።