‘ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምድሪ እስራኤልን ዝነብሩስ፥ ሃገሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ዝነብርዋ፥ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፥ ማዮም ድማ እናስካሕኽሑ ኽሰትዩ እዮም፤ እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘለዋ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፤ እታ ምድሪ ድማ ኽትባድም እያ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።”