Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 25:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 25:11
23 Referencias Cruzadas  

ነቶም ኵሎም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፥ ክሳዕ መንግስቲ ፋርስ እትለዓል፥ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ኾይኖም ኣገልገልዎ።


ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።”


እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።


ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።


ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።


ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።


“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ቍጥዓኡን፥ እታ ፈራይት ምድሪ፥ ምድረ በዳ ኾነት፥ እተን ከተማታት ድማ ፈሪሰን ረአኽወን።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”


ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ።


እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።


‘ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምድሪ እስራኤልን ዝነብሩስ፥ ሃገሮም ብሰንኪ ዓመፅ ኵሎም እቶም ዝነብርዋ፥ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፥ እንጀራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፥ ማዮም ድማ እናስካሕኽሑ ኽሰትዩ እዮም፤ እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘለዋ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፤ እታ ምድሪ ድማ ኽትባድም እያ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።”


እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን።


ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”


ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ።


ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ፀላእትኹምውን ከስደምሞም እዩ።


እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።


ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ።


“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos