8 “ኣነ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ተረፍ ኢየሩሳሌምን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩን ግና፥ ከምቲ ሕማቕ ክብላዕ ዘይከኣል በለስ ገይረ ኸርእዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።
ኣነውን ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ከይደ፥ ካብቲ ዝሓባእኽዋ ዅዒተ ነታ መዕጠቒት ኣምፃእኽዋ። እንሆውን እታ መዕጠቒት ተበላሽያ፥ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኾይና ፀንሐት።
ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እታ ሓንቲ መሶብ፥ ፈለማ ዝበሰለ የመና ፅቡቕ በለስ ነበራ፤ እታ ኻልአይቲ መሶብ ድማ ኻብ ምብልሻው ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል የመና ሕማቕ በለስ ነበራ።
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።
ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”
ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥
እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦