7 ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥
ምስክርነቱ ዝሕልዉ፥ ብምሉእ ልቦምውን ዝደልይዎ ዝተባረኹ እዮም።
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።”
ስለዙይ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”
እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።
ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፥ ካብ ምሕናኽ እተልዓለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍቲ፥ ኪዳነይ ከፅንዐልኪ እየ፤ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ድሕሪ ደጊም፥ ብቲ ጣዖታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ሓጢኣቶምን ኣይረኽሱን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንፅሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው፥ ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
ምድሪ እውን ንእኽልን ንወይንን ንዘይትን ክትምልስ እያ፤ ዝናም ከዓ ንምድሪ ከጥልላ እዩ፤ እዚኣቶም ድማ ንኢይዝራኤል ክምልሱሉ እዮም።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ።
እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሳሙኤል ከዓ ንዅላ ቤት እስራኤል “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፥ ባዕዳን ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቑ፤ ልብኹም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፤ ንእኡ ጥራሕውን ኣምልኹ፤ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ” በሎም።