5 ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።
ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤ ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።
ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።
መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።
እምበኣር ኣቱም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ዘማረኾም ምሩኻት ከምዙይ ይብል፦
ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ።
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
ንሱ ግና “ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን” ኢሉ መለሰለን።
እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።
ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ።
ሕዚ ግና ንእግዚኣብሄር ምስ ፈለጥኩምዎ፥ ብሕልፊ እኳ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ድኣ፥ ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ስርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? መሊስኩምዶ ንኣኣቶም ባርያ ዄንኩም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም?
ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣቦታትኩም ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም፤ እዙይ ከዓ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ሰናይ ክኾነልኩም ኢሉ ኣዋረደኩምን ፈተነኩምን።
ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።