4 መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
ሽዑ እግዚኣብሄር “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “በለስ እርኢ ኣለኹ፤ እቲ ፅቡቕ በለስ የመና ፅቡቕ እዩ፤ እቲ ኬርና ዝተበላሸወ ሕማቕ ግና፥ እምብዛ ሕማቕ ብምዃኑ ኽብላዕ ዘይከኣል እዩ በልኩ።”
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።