3 ሽዑ እግዚኣብሄር “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “በለስ እርኢ ኣለኹ፤ እቲ ፅቡቕ በለስ የመና ፅቡቕ እዩ፤ እቲ ኬርና ዝተበላሸወ ሕማቕ ግና፥ እምብዛ ሕማቕ ብምዃኑ ኽብላዕ ዘይከኣል እዩ በልኩ።”
መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
“እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ድማ “ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ሓደ መለክዒ መንደቕ” በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል፥ ንመለክዒ መንደቕ ክገብሮ እየ። ካብዙይ ንደሓር ኣይሓልፎን እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ፍረ ዝመልአ ኸፈር እርኢ ኣለኹ” በልኩ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናይ ህዝበይ እስራኤል መወዳእታ በፂሑ እዩ። ድሕሪ ደጊም ሸለል ኢለ ኣይሓልፎምን እየ” በለኒ።
“ንሱ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ድማ በለኒ። ኣነ ኸዓ “እንሆ ዅለንትናኡ ወርቂ ዝኾነ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊ ርእሱ፥ እንዳ ዘይትን ሸውዓተ መብራህትን ነበሮ። እተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከዓ ሸውዓተ ሸምበቆታት ነበረን።
ንሱ ድማ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ከዓ ዝወርዳ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ እርኢ ኣለኹ” በልክዎ።
(እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)