Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 24:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 24:1
22 Referencias Cruzadas  

ኢኮንያን ነጊሱ እንተሎ፥ ሰራዊት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቦም ነታ ኸተማ ኸበብዋ።


እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።


ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።


“ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን እየን፤ ዝኸፍተን ድማ የለን። ኵላ ይሁዳ ተማረኸት፤ ፈፂማውን ተማረኸት።”


ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”


ነቢይ ኤርሚያስ ነቶም ብህይወት ዝነብሩ ሽማግለታትን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ነቶም ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም ህዝቢ፥ ዝለኣኸሎም ቃል መልእኽቲ እዙይ እዩ።


እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ።


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ክንዲ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ።


ነቲ ርእሲ ጨንፈር ሰልዖ፤ ናብ ምድሪ ከነዓንውን ወሰዶ፤ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸዓ ኣንበሮ።


ብሰንሰለት ኣሲሮም ኣብ ቆፎ ኣእተውዎ፤ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ፤ ድምፁ ኣብ እምባታት እስራኤል ድሕሪዙይ ከይስማዕ፥ ኣብ ፅኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።


ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንጉስ ዝኾነ ሳዕሪ ምስ ተዓፅደ፥ ገና ምጭላድ ክጅምር እንተሎ፥ እግዚኣብሄር ኣንበጣ ፈጠረ፤ እንሆ ድሕሪ ዓፂድ እቲ ንጉስ ዝበቈለ ጠጥዒ ነበረ።


ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ኽቐፅዕ ፀውዐ። እቲ ሓዊ ነቲ ዓብዪ ቃላይ ባሕርን ንምድርን በልዖ።


ከምዙይ እውን ኣርኣየኒ፦ እንሆ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ገመድ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብቲ ብመለክዒ ዝተሰርሐ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ።


መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣርባዕተ ፀረብቲ ኣርኣየኒ።


ንሱውን ነቲ ዓብዪ ኻህን ኢያሱ፥ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቆይሙ ኣርኣየኒ፤ ሰይጣንውን ክኸሶ ብየማኑ ደው ኢሉ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos