7 “ስለዙይ እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን።
እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ዘብህግ ክቡር ኣቕሓይ ከዓ፥ ናብ መቕደሳትኩም ኣእቲኹምዎ ኢኹም እሞ፥
ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ።