4 ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ኣቱም ህዝብታት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ እቲ ንእስራኤል ዝበተነ ባዕሉ ኽእክቦ እዩ፤ ከምቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዝሕሉ፥ ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን።
ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”
ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።
ኣነ ኽባርኸኩም እየ እሞ፥ ከፍርየኩምን ከብዝሐኩምን እየ፤ ኪዳነይ ከዓ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ።
ኣፍ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተናጊሩ ኣሎሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን፥ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፤ ዘፍርሖውን የለን።
“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”
ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
ንሙሴ ኸዓ “ጐይታይ! ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ወታደራት ቈፂርናዮምስ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን።
ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን።
እዙይ ከዓ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድሕነት ክሳዕ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሓሊኹም ኣለኹም።