38 ‘ሸኽሚ እግዚኣብሄር’ እንተ በልኩም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኣይትበሉ ኢለ ልኢኸልኩም፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ሸኽሚ እግዚኣብሄር ኢልኩም ኢኹምሞ፤
ነቲ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር እንታይ መለሰልካ? እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ዝተዛረበ? ደኣ ይበል።
ስለዙይ ንኣኻትኩም ፈፂመ ኽርስዐኩም እየ፤ ከምኡውን ንኣኻትኩምን ነታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ኸተማን፥ ኣብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ።