Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 23:36 - መፅሓፍ ቅዱስ

36 ንቓል ህያው ኣምላኽ፥ ናይቲ ኣምላኽና ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስለ ዝለወጥኩም፥ ድሕሪዙይ ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ኣይትበሉ፤ ነፍሲ ወከፍ ቃሉ፥ ፆር ክኾኖ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 23:36
24 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ።


እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥ ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤ ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?” እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።


ስለ ጠባሪ መልሓስ እንታይ ይህቡኻ? እንታይከ ይውስኹኻ?


ኣብ ልዕሊኣቶም ዝተፅሓፈ ፍርዲውን ምእንቲ ኽፍፅሙ እዩ፤ ንዅሎም ቅዱሳኑ እዚኣ ኽብሪ እያ። ሃሌ ሉያ።


ኣንደበቶም ድማ የሰናኽሎም፤ ኵሎም ዝርኢዎምውን ይድንግፁ።


ጠዋይ ዝልቡ ሰብ ሰናይ ኣይረክብን፤ ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ሰብ ከዓ ኣብ መከራ ይወድቕ።


ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ።


ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ።


እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።


ነቲ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር እንታይ መለሰልካ? እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ዝተዛረበ? ደኣ ይበል።


ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።


“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”


ንሱ ድማ ‘ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ፥ ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእኽዎ ዝዓፅድ፥ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ደኣ


ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።


ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ።


ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ?


ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።


ንሱ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ኣብ ኵለን መልእኽታቱ፥ ከምዙይ እዩ ዝገብር። ኣብኡ፥ ንምርዳኡ ዘፀግም ብዙሕ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርን ዘይፅኑዓትን ከዓ፥ ከምቲ ነተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝጠዋውይወን፥ ንጥፍኣት ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።


ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።


ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos