35 ‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ንዓርኩን እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ መለሰ? እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ ተዛረበ?’ ደኣ ይበል።
ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።
ኤርሚያስ ከዓ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፤ እንሆ፥ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፅሊ እየ። እግዚኣብሄር ዝበለኒ ቓል ድማ ኽነግረኩም እየ፤ ሓንቲ እኳ ኣይሓብአኩምን እየ” በሎም።
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ስለ ዝፈልጡኒ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሉ ብፃይ ንብፃዩ፥ ሓው ንሓዉ ኣይምህሮን፤