30 ስለዙይ እንሆ ነቶም ካብ ነንሕድሕዶም ቃለይ ንዝሰረቑ ነቢያት እሕነየሎም ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ዝኽሮም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍእ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ገበርቲ ኽፉእ እዩ።
ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥
ከምኡውን ነቶም መልሓሶም ኣልዒሎም ‘ከምዙይ ይብል’ ኢሎም ዝዛረቡ ነቢያት ክፃረሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንመዓትን ንዅሉ ይሁዳ ንምጥፋእን፥ ገፀይ ኣብ ልዕሌኹም ክገብር እየ።
እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እተፈንጥራለን መኼዳታትክን ተሓንየለን ኣለኹ፤ ካብ ቅልፅምክን ድማ ኽቐደን፥ ነተን ነፍሳት፥ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዘፈንጠርክናለን ነፍሳት ሓራ ኸውፅአን እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ “ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሰት ራእይውን ስለ ዝረአኹም፥ ስለዙይ እኒሀኹ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ።
ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።
ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ።
ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ።
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን እየን ዝሪኣ፤ ኣእዛኑውን ንፀሎቶም ክፉታት እየን፤ ገፅ ጐይታ ግና ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእ እዩ።”