3 ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን።
ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽነመስግን፥ ብምስጋናኻውን ኽንምካሕስ፥ ኦ ጐይታ ኣምላኽና ኣድሕነና፤ ካብ ማእኸል ኣህዛብውን ኣክበና።
ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለ ያእቆብ ብደስታ ዘምሩ፤ ስለ እቲ ሓለቓ ኣህዛብ ዕልል በሉ፤ ዓው ኢልኩም ምስጋናኹም ኣስምዑ፤ እግዚኣብሄር፥ ንተረፍ ህዝብኻ እስራኤል ኣድሕን” በሉ።
እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ከምፅኦም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ምስኣቶም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን፥ ቅልውላው ሕርሲ ዝተትሓዘትን ሓቢሮም፥ ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም።
እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ።
“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤ እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ። ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤ ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ።
ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
ኣነ ኸዓ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሕደሪ ኽገብረኩም እየ፤ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለፀ ኸዓ ሰናይ ክገብረልኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።
“ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።
ኣነ ኽባርኸኩም እየ እሞ፥ ከፍርየኩምን ከብዝሐኩምን እየ፤ ኪዳነይ ከዓ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ።
“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም።