29 ቃለይ ከም ሓዊን፥ ከምቲ ንኸውሒ ዘድቅቕ መዶሻንዶ ኣይኮነን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ።
ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።
ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ።
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ።
ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም።
ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።