28 እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር።
ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
እሙን ምስክር ኣይሕሱን፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሰት እዩ ዝዛረብ።
ኣቱም ኣብ ዓውደይ እተኸየድኩም ደቂ ዓውደይ፥ እቲ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ዝሰማዕኽዎ እነግረኩም ኣለኹ።
ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።
ኤርሚያስ ከዓ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፤ እንሆ፥ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፅሊ እየ። እግዚኣብሄር ዝበለኒ ቓል ድማ ኽነግረኩም እየ፤ ሓንቲ እኳ ኣይሓብአኩምን እየ” በሎም።
ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።
“ኣትን ኣንስቲ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስምዓ፤ ኣእዛንክን ድማ ቓል ኣፉ ይቀበል፤ ነዋልድክን ኣውያት ኣልምዳአን፤ ንስንሳትክን ከዓ ቝዘማ ተመሃሃራ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ነቶም ዝኾነ ኸይረኣዩስ፥ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነቢያት ወይለኦም” ይብል ኣሎ።
“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?
ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?
ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።
ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።
ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ።