27 ከምቲ ኣቦታቶም ንጣዖት ብምምላኽ ስመይ ዝረስዑ፥ ንሳቶም ብዝነግርዎ ሕልሚ፥ ህዝበይ ስመይ ክርስዕ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ።
ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ፥ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።
ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።
ግና ብቛንቋ ግሪክ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጠንቋሊ፥ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ፥ ንበርናባስን ንሳውልን ተቓወሞም።
ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
ግና ኸምዝ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ሃብቲ ኽትእክቡ ሓይሊ ዝህበኩም፥ ንሱ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘክርዎ።
ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ።