Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 23:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 23:25
24 Referencias Cruzadas  

ዮሴፍ ከዓ ሕልሚ ሓለመ፥ ነሕዋቱ ምስ ነገሮም ድማ የመና ፀልእዎ።


ዮሴፍ ከዓ ኻልእ ሕልሚ ሓለመ፤ ነሕዋቱውን “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ፤ እንሆ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኸዋኽብትን እንትሰግዱለይ ረአኹ” ኢሉ ነገሮም።


ንስኻ ምቕማጠይን ምትስአይን ትፈልጥ፤ ንዅሉ ሓሳብ ልበይውን ገና ኻብ ርሑቕ ትፈልጦ።


ቃል ዓመፅ ኣብ ኣንደበተይ ከም ዘየለ ፈለጥካዮ።


ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?


እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።


ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።


እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር።


እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ።


ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።


እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።


ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ።


ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።


ነቢያታ ከንቱነት እናረአዩ፥ ሓሰት እናጠንቈሉሎም እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ እናበሉ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ለቕለቑሎም።


ብድሕሪዙይ ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ዝለበሰ ኸፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፥ ኣረጋውያንኩም ሕልሚ ኽሓልሙ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም።


ሽዑ ዝኾነ ሰብ ትንቢት እንተ ተናገረ፥ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ‘ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሰት ተናጊርካ ኢኻሞ ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻ’ ኽብልዎ እዮም። ትንቢት እንትናገርውን እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ክወግእዎ እዮም።


ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ናብ ዘረባይ ኣድምፁ፦ ኣብ ማእኸልኩም ነቢይ እንተ ሃልዩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለፀሉ፤ ወይ ከዓ ብሕልሚ እዛረቦ።


እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ።


ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።


ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።


ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።


ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos