23 “ኣነ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራሕ ዲየ? ናይ ርሑቕ ኣምላኽዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ።
ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ።
ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጠ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስል መን እዩ?
እዙይ ከዓ፥ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እንተሎስ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽደልይዎን፥ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኽረኽብዎን ኢሉ ገበሮ።