21 “ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ።
ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።
እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።
እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቶም ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፥ ኣይትስምዕዎም።
ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።
ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ።
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ ኣብ፥ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ” በሎም።
ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?