2 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሕዚ ኸዓ ኺድ እሞ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፥ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝቕፅዑሉ ጊዜ እንትበፅሕ፥ ብሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ” በሎ።
እቶም ጓሶት ሰኒፎም፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይጠየቑን፤ ስለዙይ እውን ኣይሰለጦምን፤ እቲ መጓሰ ኸዓ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም።
ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።
ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ነዞም ካብ ሰሜን ዝመፁ ዘለዉ ረአዩ። ንኣኺ ተውሂቦምኺ ዝነበሩ መጓሰ፥ እቲ ፅቡቕ መጓሰኺ ኣበይ ኣሎ?
እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሓደ ኻብ ህዝበይ፥ ወይ ነቢይ፥ ወይ ካህን ‘ፆር እግዚኣብሄር’ ክብል እንተ ተረኽበ ነቲ ሰብ እቱይን ንቤቱን ክቐፅዖም እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።
“በዝ ነገር እዙይዶ ኣነ ኣይቐፅዖምን እየ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዝበለ ህዝብዶ ኽብቀሎ ኣይግብአንን እዩ?
ብሓቂ በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዘመሰለ ህዝብኸ፥ ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?”
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፤ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኸዓ መብልዕ ኮና፤ ፋሕውን በላ።
ብምኽንያት እተን በዓል ንዝተብሃሉ ጣዖታት ዕጣን ዝዓጠነትለን መዓልቲታት ክቐፅዓ እየ፤ ንኣይ ረሲዓ ብቐለቤታን ብሽልማታን ኣጋይፃ፥ ደድሕሪ ፈተውታ እናሰዓበት፥ ንኣይ ግና ረሲዓትኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ ኻብኣቶም ዝሐሸ ዝተብሃለ፥ ንሱ ኸም ኣሜክላ እዩ፤ እቲ የመና ዝቐንዐ ኸዓ፥ ከም ኳዂቶ እዩ። እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም።
ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ነደደ፤ ነቶም ዲበላታትውን ክቐፅዖም እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንመጓሰኡ ቤት ይሁዳ ተመልኪትዎ እዩ፤ ኣብ ጊዜ ውግእውን፥ ከም ናይ ክብሩ ፈረስ ክገብሮም እዩ።
“እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም።
ዓሪቐ፥ ከዲንኩምኒ፤ ሓሚመ፥ በፂሕኹምኒ፤ ተኣሲረ፥ ናባይ መፂእኹም ጠዪቕኩምኒ ኢኹምሞ’ ኽብሎም እዩ።
ጋሻ ኾይነ፥ ኣይተቐበልኩምንን፤ ዓሪቐ፥ ኣይከደንኩምንን፤ ሓሚመን ተኣሲረን፥ ኣይበፃሕኹምንን’ ይብሎም።
እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።