18 ቃሉ ኽርኢን ክሰምዕን፥ ብምኽሪ እግዚኣብሄር ዝቖመ መን እዩ? ፅን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዐኸ መን እዩ?
ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ።
ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ንኣይ ከመይ ሓሊፉ እዩ ብኣኻ ዝዛረብ?” በሎ።
ኣብቶም ልዕል ልዕል ዝበሉ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ሰብዶ ፍልጠት ይምህሮ እዩ?
“ኢዮብ፥ እምበኣር ኣስተውዒልካ ስምዐኒ፤ ስቕ በል እሞ ኣነ ኽዛረብ እየ።
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
ብምኽረይ ፀኒዖም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ቃለይ ንህዝበይ መስምዕዎም፤ ካብ ክፉእ መንገዶምን ካብ ክፉእ ስራሖምውን ምመለስዎም ነይሮም።
ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
“ንእግዚኣብሄር ክምህሮ ኢሉስ፥ ንልቡ ዝፈልጥ መን እዩ?” ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣለና።