Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 23:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 “ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 23:15
12 Referencias Cruzadas  

ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።


ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም።


“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።


እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ።


ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ።


መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።


ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥ ምረትን ሓሞትን ዘክር።


ኣብ ልዕለይ ቅፅሪ ሰርሐ፤ ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ሓሞት ዝተሓወሶ መፂፅ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ።


እምበኣር ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ዓሌት ኮነ ነገድ፥ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ኸይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፥ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቍል ሱር ጣዖት ከዓ ኸይርከበኩም ተጠንቀቑ።


ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos