13 ኣብ ነቢያት ሰማርያ፥ ዘየሐጕስ ረአኹ፤ ብስም በዓል ተነበዩ፤ ንህዝበይ እስራኤልውን ኣስሓቱ።
ኤልያስ ድማ “ንነቢያት በዓል ሓዝዎም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣየምልጥ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓዝዎም። ኤልያስ ድማ ናብ ሩባ ቂሶን ኣውሪዱ ኣሕረዶም።
ምናሴ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ኣስሓቶም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝገደደ ሓጢኣት ገበሩ።
መራሕቲ እዝ ህዝቢ እዙይ መስሓትቲ እዮም፤ እቲ ብኣኣቶም ዝምራሕ ህዝቢ እውን ክጠፍእ እዩ።
“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።
“ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ።
ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም።
እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?