7 ነፍሲ ወከፍ ምስ ኣፅዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ድማ ነቶም ምሩፃት ዝግባታት ክቘርፅዎን፥ ኣብ ሓዊ ኸእትውዎን እዮም።
ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ።
መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።
ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም።
ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤ ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።
እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።