5 ነዝ ቓል እዙይ እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዓኑ፥ ብርእሰይ መሓልኩ” ይብል እግዚኣብሄር።
“ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥
“ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥
ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም።
እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ነቦታቶም ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኽዎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዝ ዅሉ ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኣቶም ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”
ስለዙይ “ናብ ዕረፍተይ ከይኣትዉ፥ ብቝጥዓይ መሓልኩ።”
እምቢ ኢልኩም እንተ ዓሚፅኩም ግና፥ ሰይፊ ኽበልዐኩም እዩ። ኣፍ እግዚኣብሄር ነዙይ ተዛሪቡ እዩ እሞ።”
“ቤተይ ሓዲገ ኣለኹ፤ ርስተይውን ሓዲገ ኣለኹ፤ ነታ ዝፈትዋ ንኣኣ፥ ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥
እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን።
ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።
እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ።
“ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን?
እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተስፋ ኽህቦ እንተሎ፥ ካብ ስሙ ዝዓቢ ዝምሕለሉ ኻልእ ስለ ዘየለ፥ “ብሓቂ ኽባርኸካን ከብዝሐካን እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም።