4 ነዝ ቃል እዙይ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት ምስ ባሮቶምን ህዝቦምን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም፥ ብበርታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም።
ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ።
ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።