Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 22:28 - መፅሓፍ ቅዱስ

28 “ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 22:28
20 Referencias Cruzadas  

ጣዖታቶምውን ኣብኡ ሓደጉ፤ ዳዊትን ሰቡን ድማ ወሰድዎም።


ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ብሞቱ ዝጐሃየ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ፤ ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይተቐበረን።


ከም ዝሞተ ሰብ ካብ ልቢ ተረሳዕኹ፤ ከም ስቡር ኣቕሓውን ተቘፀርኩ።


ናብ ሜዳ እንተ ወፃእኹ፥ እንሆ፥ ብሰይፊ ዝሞቱ ሰባት እርኢ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እንሆ፥ ብጥሜት ዝቓህመሙ ኣለዉ፤ ነቢይን ካህንንውን፥ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።”


ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።


ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።


ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”


ክትምለስዋ ናብ እትናፍቕዋ ምድሪ፥ ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።”


“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ።


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ክንዲ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ።


ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።


እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos