27 ክትምለስዋ ናብ እትናፍቕዋ ምድሪ፥ ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።”
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣንቃዕርር ኣለኹሞ፥ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ።
ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።
እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣብቲ ተማሪኹ ዝኸደሉ ሃገር ክመውት እዩ እምበር፥ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸቶ ኣይሪኣን እዩ።”
ንኣኻን ንዝወለደትካ እኖኻን፥ ናብታ ዘይተወለድኩምላ ባዕዲ ሃገር፥ ክድርብየኩም እየ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።
“ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።
ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።
ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”